እቲ ብዕለት 08.05.1949 ዝጸደቐ ሰረተ ሕጊ፡ ናይ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ጀርመን ቅዋም መንግስቲ እዩ። መእተዊ፡ መሰረታውያን መሰላትን ምሕደራዊ ክፍልታት ከኣ ይርከብዎ። ኣብቲ መሰረታውያን መሰላት ዝብል ክፋል፡ ከም እኒ ክብሪ ሰብ፡ ማዕርነት ሰብኣይን ሰበይትን፡ ነጻነት እምነት፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት፡ ናይ ምእካብ ነጻነት፡ ናይ ሞያ ነጻነት፡ ናይ ስነ ጥበብን ሰን ፍልጠትን ምርምርን ትምህርትን ነጻነት፡ ሓለዋ ቤተሰብ፡ ሓለዋ…