ሓበሬታታት ካብ ናይ ሄሰን ሚኒስተሪ ንጉዳያት ሕብረተሰብኣዊን፣ ተሳታፍነት ኣብ ማሕበራዊ ናብራን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ 

ኣብዚ ዝስዕብ ሓደሓደ ሓበሬታታትን ከምኡውን ምልክታታት ናይ ምንጭታትትን ነቕርበልኩም፣ ኣብ ወሽጡ ስፍሕ ዝበለ እዋናዊ ሓበሬታታት ክትረኽቡሉ ትኹእሉሉ።  ኣብ መጨረሻ 2019 ዓመተ ምህረት ናይ ዓለም ውድብ ጥዕና (WHO) ብዝሃቦ ሓቤርታ መሰረት ኣብ ቻይና ዉሃን ዝተባህለ ከተማ (China) ብብዝሒ ኣመጻጽኣኡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ናይ ሳንቡእ ሕማማት ክርአ ጀሚሩ። ድሕሪ ቁርብ መዓልቲታት እቲ ምኽንያት መበገሲኡ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ምኻኑ ድማ ትነጺሩ። ኣብዚ ግዜዚ በዚ ቫይረስዚ ዝተበገሰ ሕማም (COVID-19 ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ) ኣብ ሙሉእ ዓለም የስፋሕፍሕ ኣሎ።

እቲ ኩነታት ከመይ ኣሎ ኣብዚ እዋንዚሕማም ለበዳ ናይምክትትታትል ስልጣን ዝተዋህቦ ትካል ሮበርት-ኮኽ-ኢንስቲቱት (RKI) ብቐጻሊ እንታይ ሳዕቤን እዚ ሓዲሽ ቫይረስ ኣብ ጀርመን ኣብ ጥዕና ህዝቢ ከም ዘኸትል ሚዛኑ ይህብ ርእይቶኡ የቕርብን። እዋናዊ መጠን ሓደገኛነቱ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ማዕከንየቃልሖ።

https://www.rki.de/DE/Content/InfAZ/N/Neuartiges_Coronavirus/Risikobewertung.html;jsessi onid=9766CE9E961256ECB36D5D17A325E8F4.internet062.

 

ንሄሰን ክፋል ሃገር መንግስቲ ሄሰን ውሳኔ የሕልፍ

– ብዝዋሓደ መጠን ምስፍሕፋሕ ናይ ኮሮና-ቫይረስ ብዘገምታ ንክኸይድን ወይ ከይላባዕን ከምኡውን ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን ውልቃዊ ርክባት – ኣብ ናይ ህዝቢ ዕላዊን ከምኡውን ውልቃዊን ሸነኻትን- ብዝተኻእለ መጠን ንኽሕጸርን ክጎድልን ናይ ግድን ኮይኑ ይርከብ

− ካብ ሮኡዕ፣ ዕለት 18. ወርሒ ሰለስተ መጋቢት ጀሚሩ ኩሉ ትካላት፣ ምስ ንሂወትን መነባብሮን ሰባት ኣዚዩ ኣገዳሲ ዘይኮነ ዝተተሓሓዘ ዕጹው ክኸውንዩ። ኣብዚ ከም መሸጣ መግቢን ዝስተ ዝሽየጠሉንን፣ መድሃኒት ዝሽየጠሉ ፋርማሲን ፣ ሱፐርማርኬትን፣ መሸጣ ቤንዚናን፣ ንህንጻ ዝኸውን ዝሽየጠሉ ዓበይቲ ድኳናትን፣ ድሮገሪን ክፉት ይኸውን። ቤት መግብን መስተን ካብ ስዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት (18:00 ስዓት) ክዕጾ ይግባእ፣ ናይ ህዝቢ ዕላዊን ውልቃዊን ስፖርት ዝግበረሉ ወይ ኣገልግሎት ዝህብ ቦታን፣ ቤተ-መጻሕፍቲን ሙዝዩማትን፣ ፎልክስሆኽሹለን ዕጹው ይኸውን፣ ዝርዝር ናይ ኩሉ ዘቕርብ ሓቤረታ ኣብዚ ዝስዕብ www.hessen.de/presse  ሓባሪ መርበብ ኢንተርኔት ክትውክሱ ይከኣል።

− ካብ ሰኑይ ዕለት 16 ወርሒ ሰለስተ መጋቢት ጀሚሩ ክሳብ ንግዚኡ ሰንበት 19 ወርሒ ኣርባዕተ ሚያዝያ፣ ናይ ሄሰን መዋእለ-ህጻናትን ናይ ክንክን ቆልዑ ትካላትን ተዓጽዩ ይተርፍ። ኣብ ፍልይዝበለ ኩነት ዝወሰድ ስጉምቲን ወይ ካብዚ ውሳኔ ወጻኢ ተወሳኺ ሓቤረታን ኣብዚ ዝስዕብ ሓባሪ መርበብ ኢንተርኔት www.soziales.hessen.de ትረኽብዎ።

− ካብ ሰኑይ ዕለት 16 ወርሒ ሰለስተ መጋቢት ጀሚሩ ክሳብ ንግዚኡ ሰንበት 19 ወርሒ ኣርባዕተ ሚያዝያ ቤትትምህርቲታት ኣብ ሄሰን ዕጹው ክኸውንዩ።ኣብ ፍልይ ዝበለ ኩነት ወይ ካብዚ ውሳኔ ወጻኢ ዝወሰድ ስጉምቲን ተወሳኺ ሓቤረታን ኣብዚ ዝስዕብ ሓባሪ መርበብ ኢንተርኔት www.soziales.hessen.de  ትረኽብዎ።   ሓፈሻዊ ተወሳኺ ሓቤረታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሄሰን ኣበይ ክረክብ ይኽእል

እዋናዊ ሓቤረታ ኣብ ናይ ሄሰን ምኒስትሪ ንጉዳያት ሕብረተሰብኣዊን፣ ተሳታፍነት ኣብ ማሕበራዊ ናብራን ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ኢንተርነት ግጽ: www.hessenlink.de/2019ncov ኬድኩም ክትሕበሩ ይከኣል።  ናይ ሄሰን ምኒስትሪ ንጉዳያት ሕብረተሰብኣዊን፣ ተሳታፍነት ኣብ ማሕበራዊ ናብራን ምስዚ ብተወሳኺ ብነጻ ናይ ውዑይ ሓቤረታ መስመር ንኹሉ ነባሪን ነባሪትን ተቐማጣይ ህዝቢ ሄሰን ኣሰናድዩ ኣሎ።  እቲ ዝተሰናድአ መስመር ቁጽሪ ተሌፎን እዚ ዝስዕብዩ: 0800 555 4 666 ካብ ሰዓት 8 ክሳብ ሰዓት 20 ወይ

ሸሞንተ ናይ ምሸት ካኣ ኣገልግሎት ይህብ። ሕቶታት ብኢ-መይል በዚ ዝስዕብ buergertelefon@stk.hessen.de ይኸይድ

ከምኡውን ተቐማጣይ ህዝቢ ክህልዎ ንዝኽእል ሕቶታት ኣብ ቀረብኡ ዝርከብ ተሓታቲ ናይ ጥዕና ቤት-ጽሕፈት ማለት ጌዙንድሃይትስኣምት ከቕርብ ይኽእል። ክትራኸቡሉ ትኽእሉሉ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ኣብዚ ዝስዕብ ትረኽብዎ: https://tools.rki.de/PLZTool/ .

ግምት ምሃብ ንዝተወሰነ ንሓደጋ ዝተቃልዐ ዞና ወይ ከባቢ  ሮበርት-ኮኽ-ኢንስቲቱት (RKI) ዝተፍላለየ ሓባሪ ምልክታት (ምስዚ ጻዕቂ ተርእዮ ሕማም፣ ቅልጣፌን ዘገምታን ናይ ቁጽሪ ሕማም መጥቃዕቲ ተርእዮን) ኣብሓደጋዝተቓልዐንኣብኡብቐጻሊካብሰብናብዝመሓለለፍምዃኑ

ዝጥርጠርንከባቢኣብግምትየእቱ።እቲእዋናዊደረጃናይዚኩነትዚኣብዚዝስዕብናይኢንተርኔትገጽ

ትረኽብዎ: https://www.rki.de/DE/Content/InfAZ/N/Neuartiges_Coronavirus/Risikogebiete.html ንኣብነት ካብ ዕረፍቲ ኣብ እትምለሱሉ ግዜ እንታይ ኣሎ ከተስተውዕሉሉን ክትጥንቀቁሉን ዝግባእ?  ካብ ሓደ ዝተፈልጠ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ከባቢ ወይ ዞና ወይካኣ ካብ ሓደ ሃገር ኣብ ውሽጡ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ቦታ ዝርከበሉ፣ ካብ መገሻ ምስትምለሱ፣ ኣብተን ዝስዕባ 14 ምዓልቲታት ንፍሉይ ምልክታት ኣዚ ሕማምዚ ብጥንቃቀ ከተስተብህሉን ንብስኹም ክትሕልዉን ይግባእ። ን14 ምዓልቲታት ዝኣክል ንብስኹም ካብ ካልኦት ሰባት ክትውግድዋን ክትንጽልዋን ንምሕጸነኩም።

 

እንታይ ኣሎ ቅድሚ ምኳኑ ባዕልና ክንገብሮ ንኽእል መታን ጥዑያት ኰና ክንተርፍ

ከም ናይ ምክልኻል ስጉምቲ – ክምኡውን ካብ ብርቱዕ ጉንፋዕ – ኩሎም ተቐማጦ ናይዚ ሃገር ብህጹጽ ይግደዱ፣ ነዚ ዝስዕብ ናይ ጽሬት ቅጥዒታት ክኽተሉን ከኽብሩን:

  • ብቐጻሊን ጽቡቕጌርካን ኢድካ ብሳሙና ምሕጻብ (እዚ ኻኣ ዋላ ንቖልዑን ምናእሰይን ይምልከት)          ምስዓልን ሕንጥሸው ምባልን ወይ ኣብ ናይ ንሓደ ግዜ ዘገልግል ናይ ወረቐት ምንዲል ወይካኣ ኣብ ዝተዓጽፈ ኩርናዕ ኢድ ምቕባል (እዚ ኻኣ ዋላ ንቖልዑን ምናእሰይን ይምልከት)
  • ንሓደ ግዜ ዘገልግል ናይ ወረቐት ምንዲል ወይ ታሸንቱኽ ምጥቃም ነዚ ኻኣ ኣብ ዘዝተጠቕምናሉ ግዜ ኣብ እንዳጉሓፍ ምድርባይ
  • ብኢድ ሰላም ዘይምብህሃል፣ ዘይምትሑቑቛፍ / ብምዕጉርቲ ዘይምስዕዓም
  • በጻብዕቲድዩ ወይ ይእዳው ኣፍንጫ፣ ኣፍ፣ ዓይኒ ዘይምሓዝ ወይ ዘይምድህሳስ (ካብ ኩሉ ኣብ ኣውቶቡስን ካልእ ምጓዓዝያን ሓደ ነገር ከይንወድቕ ምስንሕዝን ወይድማ ናይ ማዕጾ መኽፈቲ፣ ብቡዙሓት ሰባት ዝትንከፍ ዘበለ ምስንሕዝን፣ እዚ ኻኣ ዋላ ውን ኣብ ገዛና ክንክተሎ ዘልናዩ)።
  • ስማርትፎን፣ ሞባይል፣ ታብሌት ወዘተ… ብቐጻሊ ምጽራይን / ምምካንን
  • ብመሰርቱ ነናይ ገዛእ ርእስኻ መስተዪ ጠራሙዝን መብልዒ በጃ ኢድን ምጥቃም
  • ብቐጻሊ ናይ ሰባት ምእካብ ምውጋድ

እንታይ ክገብር ኣለኒ ምልክታት ናይዚ ሕማምዚ ኣብ ነብሰይ ምስዝስማዓኒ

ዝኾነ ተቐማጣይ ወይ ተቐማጢት እዚ ሃገር ናይ ሕማም ምልክታት ከም ስዓል፣ ረስኒ ወይ ሕጽረት ትንፋስ ምስዝስምዖ ክገብሮ ዘሎዎ:

  • ኣብዛ ቁጽሪ ተለፎን 116 – 117 ምድዋል (ቁጽሪ ተለፎን ናይ ድሉዋት ዝጸንሑ ሓካይም)
  • ብቴልፎን ምስ ናይ ኣብ ከባቢ ዝርከብ ናይ ጥዕና ቤት-ጽሕፈት ወይ ጌዙንድሃይትስኣምት ምርኻብ
  • ብቴልፎን ምስ ናይ ናይ ገዛ ሓኪም ምርኻብ

እዚኦም ምስቲ ዝሓትት ዘሎ ሰብ መረጋግጺ ሕቶታትን መብርሂታትን የቕርቡ፣ እቲ መልከፍቲ ሕማም ምስዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ ዝተሓሓሃዘ ምዃኑን ዘይሙዃኑን ግምቶም ድሕሪ ምሃብ ድማ እንተዳኣ ተጨባጢ ጥርጠራ ኣልይዎም ናብ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ቀጻሊ መርመራታትን እቲ ሰብ ዝእለየሉ ኣገባብን የናድዩን የመሓላልፉን

ናይ ቀረባ ሓቤረታ ምስዚ ብኻልእ ቋንቋታት ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ትረኽብዎ:

https://www.bundesgesundheitsministerium.de/coronavirus.html

ኣብዚግዜዚኣብናይብዙሓንመራኸቢመዲያመጠንዘይብሉግጉይሓቤረታከስፋሕፍሕይርአኣሎ።ብኽብረትኩምንዝኾነሓቤረታትደልይዎነዚኣብላዕሊተጠቂሱዘሎማዕከንሓቤረታተጠቐሙ።

Hinterlassen Sie eine Antwort